Äldresupporten

(tigrinja/ትግርኛ)

- ንዓኹም ንዝዓበዩ

ንጥዑይ ህይወት ምኽርን ደገፍን ምስ እትደልዩ ንደገፍ ኣረጋውያን ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ዲጂታላዊ ኣገልግሎትን መዓልታዊ ቴክኖሎጅን ተጠቒኹም እውን ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ደገፍ ኣረጋውያን ነቶም ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ብኣግኡ ጥዕና ዘደንፍዕ ምትእትታው የቕርብ። ንጠለባትኩምን ድሌታትኩምን ዝሰማማዕ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ንጥፈታት ንውድብ። ንጥዕና ዘተባብዕ ናይ ገዛ ምብጻሕ፡ ደገፍን መምርሕን ኣብ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ክንህብ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ትርጉም ዘለዎን ጥዕና ዝድግፉን ንጥፈታት ንምጅማር ከምኡ’ውን ሓበሬታን ተሳትፎን ኣብ ማሕበራዊ ጉጅለ ኣኼባታት ንምጅማር ሓሳባትን ምኽርታትን ንህብ።

እቲ ዕላማ ንጥዑይ እርጋንን ንጡፍን ትርጉም ዘለዎን መዓልታዊ ህይወትን ኣበርክቶ ምግባር እዩ፣ ምእንቲ ተሳትፎን ውሕስነትን ክስምዓኹም።

ርኸቡና፦

ማዕከል ዓማዊል ምምሕዳር ከተማ Luleå፦ 0920-45 30 00

ኢሜይል፦ aldresupporten@lulea.se

ኢ-ኣገልግሎት፦ lulea.se/aldresupporten

Sidan uppdaterades den 14 February 2023